እንቋዕ ብድሓን መጻኹም

Tigrinja

እንቋዕ ብድሓን መጻኹም

ኣብ ናትና Femmes-Tische (መኣከቢ ቦታ ነንስቲ) ከምኡ'ውን Männer-Tischen (መኣከቢ ቦታ ንሰብኡት) ብተሳትፎኹም እንቋዕ ብድሓን መጻኹም ክንብለኩም ንፈቱ፦ ኣብቶም ናይ ዝርርብ መራኸቢታት ምስ ካልኦት ሰባት ክትራኸቡ ኢኹም፣ ምስኦም ብዛዕባ ኣገደስቲ ሕቶታት ብዛዕባ ኣተዓባብያን ጥዕናን ምውህሃድን ክትዛተዩ ትኽእሉ። እቶም ናይ ዝርርብ መራኸቢታት ንኩሎም ዝተገደሱ ሰባት ክፉታት እዮም፣ ካብ መበቈሎምን ቋንቋኦምን ዘይተመርኮሰ እዩ። 

እቶም ናይ ዝርርብ መራኸቢታት

... ኣብ ንኣሽቱ ጉጅለታት ክካየዱ እዮም

...ካብ ቋንቋኹም ዝዛረብ ሰብ ከኣ ክምራሑ እዮም

...ካልኦት ሰባት ክትላለዩ ውን ኣማራጺ ይህቡ እዮም

…ጭቡጥ ደገፍን ሓሳባትን ከምኡ'ውን ጠቓሚ ሓበሬታ ብመዓልታዊ ናብራ ውን ይህቡኹም እዮም

...ኣብ ከባብኹም ወይ ኣብ ጐረባብትኹም እዮም ዝግበሩ

...ነጻ እዮም

...ደስ ዘብል እዩ! 

እዚኦም ናይ ዝርርብ መራኸቢታት ብኸመይ ክሰርሑ እዮም፧

እዚኦም ናይ ዝርርብ መራኸቢታት ካብ 6 ክሳብ 8 ተሳተፍቲ ተቖይሞም። ኣንስትን ሰብኡትን ኣብ ዝተፈለዩ መራኸቢታት እዮም ክራኸቡ - ወይ ኣብ ናይ ግሊ ገዛ ወይ ከኣ ኣብ ሓደ ወግዓዊ ቦታ ከም ማእከል ስድራ ወይ ኣብ ሓደ ቤት-ትምህርቲ። እቶም ዓረይቲ (ሞደራቶራት) ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ-ባህላውያን መበቈላት ኣለዎም። ብቋንቋኹም ወይ ብጀርመንኛ፣ ፍራንስኛ ወይ እንግሊዝኛ ክምድሩ እዮም። እቲ ኣርእስቲ ብሓደ ፊልም ወይ ብስእልታት ክቕረብ እዩ ሽዑ ካብኡ ዘተ ክለዓል እዩ። ሳላ ሓበሬታን ምልውዋጥን እቶም ተሳተፍቲ ደገፍን ሓሳባትን ንመዓልታዊ ናብራኦም ክወሃቡ እዮም። ክበልዑ ከለው ከኣ ብዝሓሸ ንሓድሕዶም ክላለዩ እዮም።

ምርጫ ኣርእስትታትና፦

· ንኣሽቱ ቆልዑ ጽቡቕ ምድጋፍ

· ኣብ ኣተዓባብያ ወሰን/ገደብ ምግባር

· ምስ ዝተፈላለዩ ቋንቋታት ምዕባይ

· ስርዓተ-ትምህርትን ምርጫ ሞያን ኣብ ስዊዘርላንድ

· ምውጋድ ወልፊ ድራግ ኣብ ስድራ

· ጉብዝና

· ኣተሓሕዛ ሚድያ (ዜና ተለቪዦን፡ ጋዜጣ፣ ወዘተ)

· ጥዕና ምህላው፣ ጥዕና ምዕቃብ

· ጥዑይ ኣመጋግባን ተንቀሳቐስነትን

· ርእሰ ተኣማንነት ምድልዳል

· ባጀት ምፍጣር

· ኢንሹራንስ ጥዕና ምርዳእ

· ጽቡቕ ምህላውን ውድን (ሚዛን) ምዕቃብን

· ምእራግ ኣብ ስዊዘርላንድ 

ኣብ ናይ ዘተ መራኸቢ ክትሳተፉ ደሊኹም ዶ፧

ዝያዳ ክትፈልጡ እንተደሊኹም፦ 

Geschäftsstelle Femmes-Tische Schweiz

Isabel Uehlinger Werkstrasse 18, 3084 Wabern +41 (0)58 400 47 60 info@femmestische.ch

Männer-Tische

Rainer Kamber Werkstrasse 18, 3084 Wabern +41 (0)79 813 10 70 info@maennertische.ch